ምድጋፍ ኤርትራውያን ሓደስቲ መጻእቲ ኣብ ኦታዋ
ለውጢ ኣብ ምምጻእ ተጸንበሩና።
ንማሕበረሰብ ኤርትራ ንምልዓልን ንምውህሃድን ዝዓለመ ተልእኾ ማእከል መሓሪ ብዕላማ ዝገበረ መደባትን ኣገልግሎታትን ደግፉ።

ጉዕዞናን ዕላማናን
ማእከል መሓሪ ኣብ 2022 ኣብ ኦታዋ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሓደስቲ መጻእቲ ህጹጽ ድሌታት ንምምላእ ዝተመስረተ እዩ። ተበግሶና: ነቲ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ብድሆታት ብምግንዛብ፡ ብባህልን ብቋንቋን ዝምጥን ደገፍ ንምሃብ ኢዩ ::
ተልእኾና ኤርትራውያን ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ዝረኽብሉ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝራኸብሉ፡ ኣብ ሓድሽ ገዝኦም ዝስስኑሉ መዕበዪ ሃዋህው ምፍጣር እዩ። ዛንታና ነቲ ናይ ኣገልግሎት ክፍተት ንምምላእ ብዝብል ራእይ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ብድሌታትን ባህግታትን ሕብረተሰብ ዝድረኽ ኢዩ::
ኣጀማምራ ማእከል መሓሪ
ማእከል መሓሪ፡ ነቶም ኣብ ኦታዋ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሓደስቲ መጻእቲ ዝጸሉ ዘሎ ስርዓታዊ ክፍተት ኣገልግሎት ንምፍታሕ ዝተመስረተ እዩ። ከም ሓደ ብማሕበረሰብ ዝምራሕ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል፡ ድልዱል፡ ጥዑይ፡ ዝተኣሳሰረ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ንምምዕባል፡ ብባህልን ቋንቋን ዝምጥን መደባት ነቕርብ። ብፈጻሚ ዳይረክተርን ውፉይ ወለንታዊ ቦርድን ተመሪሕና፡ ኣብ ድሌታት ሕብረተሰብ ሱር ዝሰደደ ፍታሕ ኢና ነተኩር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 60 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ሰፊሮም እኳ እንተኾኑ፡ ብዙሓት ገና ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ንምርካብ ይቃለሱ ኣለዉ። ውሱን ናይ ትግርኛ ተዛረብቲ ደገፋት ናይ ሰፈራ ጸጋታት ምርካብ፣ ውሑስ መንበሪ ኣባይቲ፣ ናይ መግቢ ሓገዝ ምርካብ፣ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ንምንቅስቓስ ኣጸጋሚ ይገብሮ። ማእኸል መሓሪ ነዞም ክፍተታት ዝምልኡ ብዝግባእ ዝተመጣጠኑ መደባት ብምቕራብን ተበፃሕነት ግልጋሎት ክውስኽ ብምጉስጓስን እዩ።
ኣድህቦ ኣገልግሎታት ስራሕና
ፋይናንሳውን ናይ ስራሕን ደገፍ
ንኤርትራውያን ቁጠባዊ ምርግጋእ ኣብ ምርግጋጽ ንምድጋፍ ክሊኒካት ግብሪ፡ ሓገዝ ምድላይ ስራሕ፡ ከምኡ’ውን መደባት ፋይናንሳዊ ትምህርቲ ነቕርብ።
መሰል ኣባይትን ተኻረይትን
ጉጅለና ውሑስ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ምውሓስን መሰላት ተኻረይቲ ምርዳእን ርጉእ መነባብሮ ንምርግጋፅ መምርሒ ይህብ።
ጥዕና ኣእምሮን ምጉስጏስ ጥዕናን።
ብዓውደ መጽናዕትን ጸጋታትን ኣቢልና ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ስምዒታዊ ጽቡቕ ምህላውን ንቕሓት ጥዕና ኣእምሮን ነስፋሕፍሕ።
ባህላዊ ምውህሃድ
ሓደስቲ መጻእቲ ባህላዊ ፍልልያት ኣብ ምምራሕን ሕግታት ካናዳ ኣብ ምርዳእን ንመስርሕ ምውህሃዶም ንምቅላል ንሕግዞም።
ትምህርቲ & ደገፍ መንእሰያት
ናይ ቤት ትምህርቲ ድልውነት መደባትናን ናይ ስድራ ደገፍ ተበግሶታትናን ንመንእሰያት ኤርትራውያን ንኣካዳሚያዊ ዓወት የዳልዉ።
ምትእስሳር ማሕበረሰብ
ናይ ኦሬንቴሽን ክፍለ ግዜታት ነመቻችእን ንውልቀሰባት ምስ ናይ ከባቢ ኣገልግሎታት ነራኽብን፣ ናይ ዋንነትን ተሳትፎ ሕብረተሰብን ስምዒት ነዕቢ።
መደብ ህጻናት
ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ሰሙናዊ መስተጋብራዊ መደባት፣ ኣብ ምድጋፍ ማሕበራዊ/ስምዒታዊ ምዕባለን ድልውነት ቤት ትምህርቲ ምዕባይን ዘተኮረ.
ዓንኬል ደቂ ኣንስትዮ
ደቂ ኣንስትዮ ንሓድሕደን ንኽራኸባ፡ ንኽካፈላ፡ ንኽስተንትናን ንኽሕይላን ውሑስ ቦታ ዝህብ ሰሙናዊ ምትእኽኻብ።
ሓደ ንሓደ ዝግበር ደገፍ
ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተነጽሎ፡ ስድራቤታዊ ቃልሲ ወይ ካልእ ብድሆታት ዘጋጥሞም ብሕታዊ ደገፍ።
ተልእኾ
ተልእኾና
ተልእኾ ማእከል መሓሪ፡ ኣብ መርትዖን ማሕበረሰብን ዝተሰረተ ብባህልን ብቋንቋን ዝተሰረተ መደባትን ኣገልግሎታትን ኣቢሉ፡ ጽቡቕ ሂወት ናይቶም ኣብ ኦታዋ ዝነብሩ ኤርትራውያን ምድንፋዕን ምምሕያሽን’ዩ። ማእከል መሓሪ፡ ኤርትራውያን ዝረጋገጸሉን፡ ዘድሊ ሓበሬታን ጸጋታትን ዝዓጠቐሉ፡ ዝፍወሰሉን ንሓድሕዱን ምስ ዝዓበየ ሕብረተሰብን ዝራኸበሉ ቦታ ዝወሃበሉ ውሑስን ተቐባሊን ሃዋህው ዝፈጥር እዩ።
ራእይ
ራእይና
ራእይ ማእከል መሓሪ፡ ኣብ ኦታዋ ዝርከብ ኩለንተናዊ፡ ጥዑይ፡ ዝዕምብብ፡ ስኒት ዘለዎ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ’ዩ።
ተልእኾና ደግፉ
ልግስኹም ንመደባትናን ኣገልግሎታትናን ነዳዲ ይገብሮ፣ ሃጓፋት ንምድልዳልን ንኤርትራውያን ሓደስቲ መጻእቲ ኦታዋ ዕድላት ንምፍጣርን ይሕግዘና። ንማእከል መሓሪ ብምውፋይ፡ ባህላዊ ምርድዳእ ኣብ ዘስፋሕፍሑ፡ ኣገደስቲ ጸጋታት ዝህቡ፡ ውልቀሰባት ዓቕሞም ንምዕዋት ዝድግፉ ተበግሶታት ኣበርክቶ ትገብሩ። ሎሚ ንዕላማና ብምድጋፍ ኣብ ህይወት ብዙሓት ነባሪ ጽልዋ ንምፍጣር ተጸንበሩና።
ጉጅለ መራሕትና ደጋፍን ንኹሉ ዝሓቁፍን ሃዋህው የዕቢ። ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎን ክእለትን ዘለና ንማሕበረሰብና ብኣድማዒ መንገዲ ንምግልጋል ብሓባር ንሰርሕ።

ዮዲት ግርማይ
ፈጻሚ ዳይረክተር

ሳራ ገብረ-ጊዮርጊስ
ኣቦ መንበር ቦርድ

ዮሲፍ ኪዳነ
ኣባል ቦርድ

ሳብሪና ተኽልኣብ
ኣባል ቦርድ

ኣለም ብርሃነ
ኣባል ቦርድ

ሃና ኣድሓኖም
ኣባል ቦርድ

ፍቓዱ ሓድጉ
ኣባል ቦርድ
ለውጢ ኣብ ምምጻእ ተጸንበሩና።
ንማሕበረሰብ ኤርትራ ኦታዋ ኣብ ምድጋፍ ናትኩም ደገፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ክትልግስ፡ ከም ወለንተኻ ክትሰርሕ ወይ ከተዋዓውዕ እንተመረጽካ፡ ኩሉ ስጉምቲ ሓጋዚ እዩ። ብሓባር ድማ ዝሓየለን ዝያዳ ዝተኣሳሰረን ማሕበረሰብ ክንፈጥር ንኽእል ኢና። ሎሚ ተጸንበሩና እሞ ኣካል ናይዚ ለውጢ ዘምጽእ ጉዕዞ ኩኑ።
